ክልላት ምድላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብምዝዛም ተኸላ ንምጅማር ኣብ ከይዲ ምዃኖም ገሊፆም


 

ኣዳማ/ግንቦት 20/2016 (ኢዜኣ) ክልላት ኦሮሚያን ማእኸላይ ኢትዮጵያን ምድላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ብምዝዛም ተኸላ ንምጅማር ኣብ ከይዲ ምዃኖም ኣባላት ኣመራርሓ ቢሮ ግብርና እቶም ክልላት ገሊፆም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ግብርና ክልል ኦሮሚያ ኣይተ በሪሶ ፈይሳ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምድላው ፈልስን ምፍላይ መትከሊ ቦታን ተዛዚሙ እዩ ዝርከብ።

ኣብቲ ክልል ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት ኩለ መዳያዊ ጥቕሚ ዘለዎምን ንልምዓት ደኒ ዝውዕሉን ፈልስታት ንምትካል ምድላው እናተገበረ ከምዝነበረ ኣዘኻኪሮም።

ስለዝኾነ እውን እዋን ክረምቲ ቀዲሙ ኣብ ዝኣትወሎም ከባብታት ዞባታት ቦሮናን ጉጂን ከምኡ እውን ክፋል ዞባ ባሌ ስራሕቲ ተኸላ ፈልሲ ከምዝተጀመሩ ሓቢሮም።

ካብ ቀፃሊ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ስራሕ ተኸላ ፈልሲ ብብርኪ ክልል ብዕሊ ከምዝጅመር ብምሕባር ምችው ኩነታት ናይ ምፍጣር ስራሕ እውን እናተዛዘመ ምዃኑ ኣረዶኦም።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ዘፈር ልምዓት ግብርናን ገጠርን ከምኡ እውን ሓላፊ ቢሮ ግብርና ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ  ዑስማን ሱሩር ብግደኦም፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንምግቢ፣ቀለብ እንሰሳትን ልምዓት ደንን ዝውዕሉ ፈልስታት ከምዝተዳለዉ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን 74 ሽሕ ሄክታር መሬት ንምሽፋን ከምዝተተለመ ብምሕባር፤ ፈልስታት ቡና ኣብ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ንተኸላ ብኣብዝሓ ከምዝተዳለዉ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም