ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኢትዮያውያን ኮይኑ ንክቐፅልን  ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኸንገብርን ኩሉ ተጊሁ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ - ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/19/ 2016 /ኢዜአ/ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኢትዮያውያን ኮይኑ ንክቐፅልን  ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኸንገብርን ኩሉ ተጊሁ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ ክብል  ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ኢትዮጵያ ኩለን ክልላት ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ልዕሊ 32 ቢሊየን ፈልሲታት ዝተተኸሉ እንትኾኑ ዝተተኸሉ ፈልሲታት ድማ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ብዝተገበሩዎ ክትትል 90% ክፀድቁ ክኢሎም፡፡

ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ህይወታዊ ሃፍቲን እንትጠናኸርን ተኸታታሊ ብዝኾነ መገዲ እንትስራሕን ካብ ፅዕንቶ ለውጢ ንብረት ኣየር ናፃ ዝኾነን መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣን መሰረት ዝገበረ ከባቢያዊ ንብረት ኣየር ንኽህሉ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ዕድል ዝህብ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተፃራሪ ዝባደመ መሬትን ከባቢን ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ምንቅስቓሳት ዝህልዎ ፅዕንቶ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ስነ ልቦናዊ ልምላመ፣ ሰላም፣ ደስታ፤ ፍቕሪን ተስፋታትን እውን የስእን፡፡

ኣብ ቀዳማይ ዙርያ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ መላ ሃገር ብዝተተኸሉ ፈልሲታት ቅድም ክብል ዓሪቖም ዝነበሩን ምጉሕጓሕ ሓመድ ኣጋጢሙዎም ዝነበሩን ከባቢታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ዝነበሩዎ ተመሊሶም  እቲ መሬት እውን ጥጠዐ እናለበሰ ከምዝኾንን ሰብ ሞያ ሕርሻ ምስክርነቶም እናሃቡ ይርከቡ፡፡

 ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢት እናርአየ ይጋሃድ አሎ፡፡

ተደጋጋሚ ድርቂ እናጋጠሞም ዝነበሩ ከባቢታት ዝናብ ምርካብ ጀሚሮም ኢዮም፣ ሓደጋ ውሕጅ ክንኪ ክኢሉ ኢዩ፣ ዝደረቑ ፍልፍላትን ቃላያትን እንደገና ናብ ዝነበሩዎ ክምለሱ ክኢሎም ኢዮም፣ ንስራሕቲ ሕርሻ ሓጋይን ፅድያን ዝስማዕማዕ ዝናብ ምርካብ ተኻኢሉ ኢዩ፡፡ ብመንፅር ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንቀለብ እንስሳት፤ ንህቢ ንምርባሕ፤ ንመሸጣ ካርቦንን ንጎረባብቲ ሃገራት ፅቡቕ ርብትናን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ልዑል ኣስተዋፅኦ ገይሩ ኢዩ፡፡

ኣብዚ ዓመት 2016/17 ኣብ 132 ሺሕን 144 ጣቢያታት መፈልፈሊ ፈልሲታት ምድላው መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምስንዳእ 6 ነጥቢ 3 ቢሊዮን ፈልሲ ንምትካል ምድላዋት ቅድመ-ተኸላ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡ ኣብ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 25 ሚኢታዊ ዝኸውን ኣብ ተፋሰሳት ኣባይ ክትከሉ ኢዮም፡፡

 ምድላው ፈልሲን ተኸላን ሓምለዋይ ኣሰር ንብዙሓት መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ሰፊሕ ፈጠራ ዕድል ስራሕ እናፈጠረ ከምዝኾነ ሓበሬታታት የመላኽቱ፡፡

ኣብዚ ዓመት ተኸላ ፈልሲ ኣብ 6 ሺሕን 200 ተፋሰሳት ስራሕቲ ስነ-ኣካላዊ ብምስራሕ ኣብ ተግባራት ስነ-ህይወታዊ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እናተወገኑ ይርከቡ፡፡

 ኣብቲ መርሃ ግብሪ ንተኸላ ዝተሰናድኡ ፈልሲታት ብዙሕ ኣተዊ ዘምፅኡ ኣትክልቲን ፍረምረን፤ ጥሙር ደኒ፤ ንፅባቐ ከተማነት ዝውዕሉን ንደኒ ዝውዕሉን ኢዮም፡፡ ንካልኣይ ምዕራፍ ካልኣይ ዓመት ሓምለዋይ ኣሰር ናይ ኩሉ ተሳትፎን ድልዉነትን ትፅቢት ይግበር፡፡

ሓምለዋይ ኣሰር ባህሊ ኢትዮያውያን ኮይኑ ንክቐፅልን  ሓምለዋይ ዝለበሰት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንኸንገብርን ኩሉ ተጊሁ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ ፡፡

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም