ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ መበል ሳልሳይ ዓለም ለኸ ውድድር ፍፃመ ኣይሲቲ ተዓዊቶም


 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/19/ 2016 /ኢዜአ/ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ መበል ሳልሳይ ዓለም ለኸ ውድድር ፍፃመ ኣይሲቲ ሁዋዌ ተዓዊቶም።

ኣብ ቻይና ከተማ ሼንዘን ብትራክ ኮምፒውቲንግ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ሳልሳይ ሽልማት ምስ ጉጅለ ማሌዢያ፣ ሜክሲኮን ኬንያን ተማቒሎም።

እቲ ውድድር ካብ 14 ክሳብ 18 ገንቦት 2016 . ካብ መላእ ዓለም ዝተውፃእፅኡ ተምሃሮ ኣብ ዝተሳተፍሉ ኢዩ ተሳሊጡ።

ካብ ዩንቨርስቲታት ኣርባ ምንጭን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዲስ ኣበባን ዝመፅኡ ተምሃሮ ዝተወከልሉ ጉጅለ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ብምስታፍ ከምዝተዓወተ ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም