ሕብረተሰብ ፅሬት ከባቢኡ ብምሕላው ጥዕናኡ ከውሕስን ፅባቐ ከባቢኡ ከረጋግፅን ከምዝግባእ ተሓቢሩ



 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/19/ 2016 /ኢዜአ/ከየንቲ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ወፍሪ ፅርየት ሎሚ ኣሳሊጦም።

ሕብረተሰብ ፅሬት ከባቢኡ ብምሕላው ጥዕናኡ ከውሕስን ፅባቐ ከባቢኡ ከረጋግፅን ከምዝግባእ እቶም ከየንቲ አታሓሳሲቦም፡፡

ኣብ ጎደናታት ከተማ መቐለ ወፍሪ ከባቢያዊ ፅሬት ዘከየዱ እንትኾኑ፥ ዕላማ እቲ ወፍሪ ድማ ሕብረተሰብ ከባብያዊ ፅሬቱ ብምሕላው ጥዕናኡ ንከውሕስ መርኣያ ንምዃን እዩ ተባሂሉ።

ከባብያዊ ፅሬት ንምንባር ኮነ ምርግጋፅ ውሑስ ጥዕና ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ተሳተፍቲ ሓቢሮም።

ፅሬት ከተማታት ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ከየንቲ፥ ኣብዚ ጉዳይ ሕብረተሰብን ዝምልከቶም መንግስታዊ ኣካላትን ትኹረት ሂቦም ክስርሕሉ ድማ አታሓሳሲም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም