ፓርቲ ብልፅግና አብ ኢትዮጵያ ባህሊ ፖለቲካ ንኸልወጥ ይወስዶም ዘለዉ ስጉምትታት ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሓዞ መርገፂ ዘመላኸት እዩ -ኣይተ መለስ ኣለሙ - ኢዜአ ትግርኛ
ፓርቲ ብልፅግና አብ ኢትዮጵያ ባህሊ ፖለቲካ ንኸልወጥ ይወስዶም ዘለዉ ስጉምትታት ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሓዞ መርገፂ ዘመላኸት እዩ -ኣይተ መለስ ኣለሙ
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/17/ 2016 /ኢዜአ/ፓርቲ ብልፅግና አብ ኢትዮጵያ ባህሊ ፖለቲካ ንኸልወጥ ይወስዶም ዘለዉ ስጉምትታት ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሓዞ መርገፂ ዘመላኸት እዩ ክብሉ ኣይተ መለስ ኣለሙ አረዲኦም
አይተ መለስ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምህዳር ፖለቲካ ንክሰፍሕ ብዙሓት ስጉምቲታት ከምዝወሰደ አመልኪቶም።
መንግስቲ ስግግር ስልጣን ብዴሞክራሲያዊ መገዲ ንክኸውንን መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ናፃ፣ ፍትሓዊ ሰለማዊን ዴሞክራሲያዊን ብምዃን ንክዛዘም ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዝገበሮ ስራሕ ንምዕባለ ባህሊ ዴሞክራሲ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።
ትካላት ዴሞክራሲ ናፃን ዘይሻራውን ብምዃን ንክሰርሓን ዜጋታት ኣብ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎም ኣብ ምግባር ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዝተፈፀመ ኣረዲኦም።
ፓርቲታት ፖለቲካ ትካላዊን ሎጂስቲካዊን ዓቕሞም ንክጠናኸር ብምግባር ባህሊ ዴሞክራሲ ንክጉልብት ምስቶም ፓርቲታት ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ፖለቲካ ንክቕየር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲታት ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዝሓዞ መርገፂ ዘየማትእ ምኹኑ ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ኣይተ መለስ ኣለሙ አብሪሆም።