መሰረተ-ልምዓት ኢንቨስትመንት ስፖርት ንምብራኸ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ - ኢዜአ ትግርኛ
መሰረተ-ልምዓት ኢንቨስትመንት ስፖርት ንምብራኸ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት17/ 2016 /ኢዜአ/መሰረተ-ልምዓት ኢንቨስትመንት ስፖርት ክብ ንምባል ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ምስ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን፣ ሃገራዊ ኣመራርሓ ማሕበራት ስፖርት ዘቲዮም።
ኣይተ ቀጄላ÷ መንግስቲ ምዕባለ ስፖርት ንምስላጥ ዝሕግዝ ፖሊሲ ከምዘውፀአ ተዛሪቦም።
ማሕበራት ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንምድጋፍን መሰረተ-ልምዓት ኢንቨስትመንት ስፖርት ክብ ንምባልን ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም።