ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ስራሕቲ ምርምር፣ሽግግር ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን ብምትሕብባር ንምስላጥ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ምስ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ተፈራሪሙ





 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 17/2016 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ስራሕቲ ምርምር፣ሽግግር ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን ብምትሕብባር ንምስላጥ ዘኽእል መረዳድኢ ስምምዕ ምስ ዩኒቨርሲቲታት ጅማ፣ድሬዳዋ፣ሃዋሳን ደብረብርሃንን ተፈራሪሙ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ስምምዕ ኣብ ማእኸል ኢንኩቤሽን ኢኖቪዝ-ኬን ዩኒቨርሲቲታትን ዘለው ዓቕምታት ኣዋዲዱ ብምጥቃም ኣብቲ ዓውዲ ለውጢ ንምምፃእ ዝዓለመ እዩ።

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ኡባህ ኣደም(/) ኣብቲ ስነ ስርዓት ፊርማ፤ እቲ ስምምዕ ዩኒቨርሲቲታት ስራሕ ልምዓት ሓይሊ ሰቦም ብዝተዋደደ መንገዲ ንምስራሕ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ዩኒቨርሲቲታት ዘለዎም ዓቕሚ ኣብ ልምዓት ኢኮኖሚ ሃገር ንምውዓል በዚ መልክዕ ተሓባቢርካ ምስራሕ ውፅኢታዊ ስራሕቲ ንምስራሕ ከምዝሕግዝ ዝተዛረቡ ድማ ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ጀማል ኣባ ፊጣ(/) እዮም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ምርምርን ሽግግር ቴክኖሎጅን ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ታፈሰ ማትዮስ(/) እቲ ኒቨርሲቲ ኣብ ፈጠራ፣ምርምርን ቴክኖሎጅን ስራሕቲ ንምስራሕ ዘለዎ ልዑል ድሌት ብምሕባር እዚ ድማ ዘለው ዓቕምታት ከይባኽኑ ይሕግዝ ኢሎም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ምርምርን ሽግግር ቴክኖሎጅን ዩኒቨርሲቲ ደብረብርሃን ዩኒቨርሲቲ ኣዝመራው ኣየሁ(/) ብግደአን፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስቲ ሚኒስቴር ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ምፅንሑ ሓቢረን።

እዚ ስምምዕ እውን እቶም ዝነበሩ ስራሕቲ ምትሕብባር ካብ ምጥንኻር ብተወሳኺ እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘለዎ ዓቕሚ ንክጥቀም ከምዝሕግዞ ኣረዲአን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም