ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መበል ኻልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎማዓንቲ አካይዱ





 

አዲስ አበባ/ግንቦት/16/2016/ኢዜአ/ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ትግበራ ኣብ ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼብኡ ዘቐመጦም ኣንፈታት ምግምጋሙ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ዲጂታል ምህዳር ዝወፅኡ ፖሊሲታት፣ ስትራቴጂታት፣ ኣዋጃት፣ ደምብታት፣ መምርሕታት ኣሰራርሓታትን ኻልኦት ዶክመንትታትን ሕዚ ምስ ዘሎ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሪፎርም መንግስቲ፣ ምስ ቕልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚን ዲጂታል ቴክኖሎጅን ሃገርና ዝናበቡን ዝጠዓዓሙን ምዃኖም ተፀኒዑ ንክቐርብ ኣንፈት ከም ዝተቐመጠ ሓቢሮም

እቶም ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ቤት ምኽሪ ንልምዓት ፓርኪ IT 'ውን ዝጎብነየ እንትኸውን ንዘለዉዎ ውሱናት ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ተሳትፎ ውልቃዊ ዘፈርን ምስ መንግስቲ ዘለዎ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘጠናኽር ቑመና ንኽላበስ ንምግባር ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምስራሕ ከምዝግባእ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ተበፂሑ ኢሎም

አስዒቦም ኣብ ፓርኪ IT ኣብ ዘፈር ዳታ ሴንተር ኣብ ዝተዋፈሩ ክልተ ትካላትን ኣብ ማእኸል ኢንኩቤሽንን ዑደት ገይርናዝበሉ ምኸትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን  ዝተመልከትናዮም ትካላት ኣብቲ ዘፈር ንዝተዋፈሩ ኣካላት ኣድላዪ ዘበለ መሰረተ ልምዓት ኣማሊኦም ምድላው ካብ ምዝዛሞም ሓሊፎም ንዓማዊሎም ግልጋሎት ምሃብ ምጅማሮም ተመልኪትና ብምበል አረዲኦም።

ብሓፈሻ ኣብቲ ፓርኪ ዝረኣይናዮ ምንቅስቓስ ስራሕ ንስትራቴጂ ዲጂታል 2025 ጋህዲ ንምግባር ትካል እናተሃነፀ ምዃኑ ዘመላኽት 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም