ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ክተበርኽ ይግባእ ተባሂሉ


 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/16/ 2016 /ኢዜአ/ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ፥ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ዘለዋ ግደ ንክተበርኽ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ መደረ ዘስምዑ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ ተሳትፎን ኣመራርሓን ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መሓዉር ፀጥታ ሰላምን ድሕንነትን ምክታት የድሊ ኢሎም።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሕመ ሓዊሱ  ዓለም ለኸ ምምሕዳር፥ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ሰንሰለት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ምእታው ዝነበራሉ እዋን ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ዓለም እንተተለወጠት እውን ዓለም ለኸ ትካላት ግን ኣብ ዘለዋሉ ደው ከምዝበላ ገሊፆም።

ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ሓዊሱ ኣብ ድርድር አውን እንተኾነ መንበር ከምዘይረኸባ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣፍሪካ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን ዓለም ድምፃ ክተስምዕ ከምዝግባእ ብምግላፅ፥ እዚ ዕላዊ ንክኸውን ሃገራት ኣፍሪኪ ብማዕረ ኣብ ዓለም ለኸ ውዳበታት ምምሕዳር ክሳተፋ ኣለወን ምባሎም ዢኑዋ ፀብፂቡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም