ምዝገባ ብሄራዊ ውድድር ታለንት ሳይበር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝካየድ ተገሊፁ

 

አዲስ አበባ/ግንቦት/16/2016/ኢዜአ/ ሳልሳይ ዙርያ ምዝገባ ብሄራዊ ውድድር ታለንት ሳይበር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝካየድ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ማእኸል ልህቀት ሳይበር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ኣይተ ቢሻው በየነ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ውድድር ኣብ ዘፈር ድሕንነት ሳይበር ውህብቶ ንዘለዎም ኣካላት ብምፍላይ ናብቲ ዘፈር ንክሕወሱ ንምግባር ዝዓለመ 'ዩ።

እቲ ምዝገባ ካብ ሎማዓንቲዕለት 16 ጀሚሩ ክሳብ 30 ጉንበት 2016 . ዝሳለጥ እንትኸውን ብኦንላይን መርበብ ሓበሬታ https://talent.Insa.gov.et ብምጥቃም ከምዝካየድ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ውድድር ኣብ መላእ ሃገርና ዝርከቡ ካብ 11 ዓመት ጀሚሩ ኣብቲ ዘፈር ውህብቶ ዘለዎም ምስታፍ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም