ብብርኪ ከተማ  አዲስ አበባ ውድድር ምህዞ ሓሳብ ንግዲ እናተሳለጠ ይርከብ



 

አዲስ አበባ/ግንቦት/16/2016/ኢዜአ/ ምህዞ ሓሳብ ንብሩህ ፅባሕ ብዝብል ቴማ ብቢሮ ስራሕን ክእለትን ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ መዛዘሚ ውድድር ምህዞ ሓሳብ ንግዲ እናተሳለጠ ይርከብ።

ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ቢሮ ስራሕን ክእለትን ጥራቱ በየነ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዝተፈላለዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ሓሳባት ዘለዎም ኮይኑ ግና ዓቕሚ ገንዘብ ዘይብሎም መናእሰይ ንምትብባዕን ዕድል ንምሃብን ዝተዳለወ ውድድር 'ዩ።

 

ኣብዚ ውድድር 157 ዝኾኑ ምህዞ ሓሳብ ዘለዎም ነበርቲ ከተማና ዝተወዳደሩ እንትኸውን 8 ተወዳደርቲ ናብ መወዳእታ ዙር ከምዝሓለፉ ገሊፆም።

ሎማዓንቲ ዝዕወቱ ተወዳደርቲ 'ውን ኣብ ቐፃሊ ብብርኪ ሃገር ንዝካየድ ውድድር ሓሳብ ንግዲ ነታ ከተማ ወኪሎም ከምዝወዳደሩ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም