ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ሃገራዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ድሕንነትን ንምዕባይ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎም-በለጠ ሞላ (ዶ/ር)



 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 15/2016 (ኢዜኣ) ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ፈጠራን ሃገራዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ድሕንነትን ንምዕባይ ኣገዳሲ ግደ ከምዘለዎም ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (/) ተዛሪቦም።

̎መፅናዕትን ምርምርን ኢትዮጵያ ዘለዎ ብርኪ፣ኣረኣእያን ተስፋታትን̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሙዜም ሳይንስ መድረኽ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (/)፣ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝሰርሑ ተመራመርትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (/) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሳይንስ፣ቴክኖሎጂ፣ፈጠራን ዲጂታላይዜሽንን ሃገራዊ ዕቤትን ማሕበራዊ ድሕንነትን ንምዕባይ ወሳኒ ግደ ኣለዎም።

መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ኣብ ምዕባይ፣ሓደሽቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ ምፍጣርን ኣብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ዘሎ መንፈስ ተወዳዳሪነት ብምምሕያሽ ዕቤት ኢኮኖሚ ንክህልውን ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎም እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም