ዓለም ለኸ መዓልቲ ሓድግታት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መካነ ሓድጊ ጢያ ፅባሕ ክኽበር እዩ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /14/2016 (ኢዜኣ) በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መዓልቲ ሓድግታት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መካነ ሓድጊ ጢያ ፅባሕ ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።

ትካል ትምህርቲ፣ሳይንስን ባህልን ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ዩኔስኮ) ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ሕዳር 2015 ኣብ ዝገበሮ መበል 38 ጉባኤ 15 ግንቦት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሓድግታት ኣፍሪካ ንክኸውን ውሳነ ምሕላፉ ዝፍለጥ እዩ።

ብመሰረት እዚ እቲ መዓልቲ ብብርኪ ኣህጉር 8 ግዜ ብብርኪ ኢትዮጵያ ድማ ንካልኣይ ግዜ ̎ትምህርቲ ንሓለዋ ዓለም ለኸ ሓድግታት ኣፍሪካ̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕ 15 ግንቦት 2016 / ኣብ ዓለም ለኸ መካነ ሓድጊ ጢያ ክኽበር እዩ።

በዓል መዚ ሓድግታት ኢትዮጵያ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ከምዝሓበሮ፤ ሓድግታትና መግለፂ ማህተም ዝኽሪ ፈጠራ ኣቦታትና ዝዓረፎምን ጥንካረን ጉልበትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትናን እዮም።

ሓድግታት ባህልን ተፈጥሮን ሃገርና ምልማዕን ምሕላውን ካብ መስሕብነት ብተወሳኺ ንህንፀት ምስልን ዕቤት ምጣነ ሃፍትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እቲ መግለፂ ይሕብር።

እቲ መዓልቲ ምኽባሩ ኣብ ዙያ ሓድግታት ዝወፁ ዓለም ለኸ ኣዋጃት፣ደንብታትን መምርሕታትን ብዝምልከት ንዝምልከቶም ኣካላት ግንዛበ ንምፍጣር፣ዋሕዚ ቱሪዝም ንክውስኽ፣ሓድግታት ንዕቤት ሓንቲ ሃገር ዘለዎም ኩለ መዳያዊ ኣስተዋፅኦ ዝርዳእ ወለዶ ንምፍጣር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እውን እቶም ሃፍትታት ናብ ዝቕፅል ወለዶ ንምትሕልላፍ ዝግበር ዓለም ለኸ ምትሕብባር ንምሕጋዝ ዕድል ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 46 ሃገራት ኣፍሪካ 147 ዝተመረፁ ሓድግታት ኣብ ሓድጊ ዓለም ዝተመዝገቡ እንትኸውን ካብዚኣቶም ኢትዮጵያ 11 ሓድግታት ብምምዝጋብ ኣብቲ ኣህጉር ግደ መሪሕነት ከምዝሓዘት እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም