ሓደ ውፁእ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ተግባራዊ ንክኸውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ-ማሕበር መንገዲ ኣየራት ኣፍሪካ

 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት /14/2016 (ኢዜኣ) ሓደ ውፁእ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ተግባራዊ ንክኸውን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ዋና ፀሓፊ ማሕበር መንገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ኣብዱራሃማን በርቴ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ 17 ሃገራት ኣፍሪካ እታ ኣህጉር ሓደ ውፁእ ዕዳጋ ትራንስፖርት መንገዲ ኣየር ብብርኪ ሙኮራ ንምጅማር ከምዝተስማዕመዓ ዝዝከር እዩ።

ዋና ፀሓፊ ማሕበር መንገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ኣብዱራሃማን በርቴ፤ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ኣፍሪካ በቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ብርኪ ንከይዓቢ ዝገብሩ ብርክት ዝበሉ ማሕለኻታት ይረኣዩ እዮም።

ማሕለኻታት እቲ ኣውዲ ንምፍታሕ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ሓደ ውፁእ ዕዳጋ ትራንስፖርት ኣየር ንምቅልጣፍ መውፅእቲ ፖሊሲ ብትኹረት ክሰርሑ ኣብ ዝግባእ ወቕቲ ንርከብ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

ሓደ ውፁእ ዕዳጋ ትራንስፖርት ኣየር ኣፍሪካ ተግባራዊ ምዃኑ ንዕቤት ዓውዲ ኣቬሽንን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምስፍሕፋሕን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

ብርክት ዝበላ ሃገራት እቲ ስምምዕ ምፍራመን ብፅቡቕ ከምዝረኣ ብምሕባር ኣብ ተግባራዊነቱ ግና ቅልጡፍ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ኣረዲኦም።

እዚ ንምቅልጣፍ እውን ማሕበር መንገዲ ኣየራት ኣፍሪካ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም