“ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምዕባይ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ንምስላጥን ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ዕዙዝ ተራ ኣለዎ” -ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ




 

አዲስ አበባ/ግንቦት/14/2016/ኢዜአ/ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ምዕባይ ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ንምስላጥ፣ ንማሕበራዊ ተሳትፎን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ረብሕኡ ዝዓዘዘ ' ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጅን ኣብ ዘዳለዎ ኤክስፖ ስትራይድ ኢትዮጵያ (STRIDE Ethiopia 2024 Expo) ጠመትኡ ኣብ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ዝገበረ ዘተ እናተሳለጠ ይርከብ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብቲ ዘተ ከምዝገለፅዎ፤ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኢኮኖሚ ንምህናፅ፣ ንማሕበራዊ ተሳትፎ፣ ንፈጠራ ዕድል ስራሕን ኣወሃህባ ግልጋሎት መንግስቲ ንምስላጥን ዝዓዘዘ ኣበርክቶ የበርክት።

ዲጂታል 2025 ጋህዲ ንምግባር ካውንስል ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ተጣይሹ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፤ እዚ 'ውን ወፃኢ ዝቑጥብ ኣሰራርሓ ንምኽታል፣ ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ዕብየት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ንምቕልጣፍን ይሕግዝ ኢሎም።

ጉድለት ምውዳድ፣ እኹል መሰረተ ልምዓት ዘይምህላውን ድሕንነት ሳይበርን ዕንቅፋታት እቲ ዘፈር 'ዮም ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ መንግስትን ውልቃዊ ሴክተርን ብምውዳድ ክሰርሑ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም