ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኤክስፖ ስትራይድ ኢትዮጵያ ተዓዚቦም



 

ኣዲስ ኣበባ/ግንቦት 14/2016 (ኢዜኣ) ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ሚኒስትራትን ኤክስፖ ስትራይድ ኢትዮጵያ ጎብንዮም።

ኤክስፖ 2024 ስትራይድ ኢትዮጵያ 10 ግንቦት 2016 / ብቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ብዕሊ ከምዝተኸፈተ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዓመታዊ ኤክሰፖ፤ ̎ሳይንስ በሪ ይኸፍት፣ቴክኖሎጂ የተኣሳስር፣ፈጠራ ንቕድሚት የጓዕዝ̎ ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሙዜም ሳይንስ ክሳብ 18 ግንቦት 2016 / ንምርኢት ክፍቲ ኮይኑ ክፀንሕ እዩ።

እቲ ኤክስፖ፤ ኣብ ሳይንስ፣ቴክኖሎጂ፣ፈጠራን ዲጂታላዜሽንን ትኩረት ዝገበረ እንትኸውን ትካላት ፈጠራን ቴክኖሎጅን እናሳተፈ ይርከብ።

ትካላት መንግስትን ውልቀን ከምኡ እውን ስታርት ኣፓት ኣብቲ ኤክስፖ ስራሕቲ ፈጠራ ቴክኖሎጂ ንምርኢት ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም