ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘቲዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘቲዮም
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/13/ 2016 /ኢዜአ/ኮሚሽነር ጀነራል ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘቲዮም።
እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ብፍሉይ ኮማንዶ ብምስልጣን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዳጃት ጅግንነት ዝፈፀሙን ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ምስ ዝፍፅሙ ዘለዉን ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ፍሉይ ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ብዲስፒልንን ዕጥቅን ዝሓይለን ዝኾነ ይኹን ፖሊሳዊ ልኡኽ ብብቕዓት ዝፍፅምን ኢዩ ኢሎም።
ብመንግስቲን ህዝብን ከም ዋልታ ፣ ልዑል ዓቕሚን ሞራልን ፖሊስ ፌዴራል ብምዃን ዝረአ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ምስ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ፀጥታ ፌዴራልን ክልልን ብምውዳድ፥ ሰላም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዝዝርጉ ኣመራርሓን ኣባላትን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ፅንፈኛ ሓይሊን ብምድምሳስ ኢትዮጵያ ናይ ምፅናዕን ሰላማ ናይ ምርግጋፅን ስርሑ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ገሊፆም።