ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/12/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ብሕልፈት ህይወት ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራይሲ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዘጋጠመ ሓደጋ ሄሊኮፕተር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ኣሚር ኣብዱላሂን ብሽም ህዝብን መንግስቲን ኢትዮጵያን ብባዕሎምን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ንስድራ ፕሬዚዳንት ኢብራሂም ራይሲን ኣሚር ኣብዱላሂን ከምኡውን ንህዝቢን መንግስቲን ኢራን ፅንዓት ይሃብኩም ኢሎም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም