ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊተን - ኢዜአ ትግርኛ
ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/12/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ሞሮኮ ራባት ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ኢትዮጵያዊያን ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ብቐደም ሳዓብ ብምእታው ተዓዊተን።
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት መዲና ኢሳ 14:34.16 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ እንትትወፅእ፤ ኣትሌት ፎትየን ተስፋይ ድማ 14:34.21 ብዝኾነ ሰዓት ካልአይቲ ወፂኣ።
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፋ ኣትሌታት መልክናት ውዱን ልኪና ኣምባውን ራብዓይን ሓምሻይን ደረጃ ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን።