ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ኢትዮ-ቴሌኮምን ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ኣገልግሎት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮ-ቴሌኮም ዑደት ኣሳሊጦም - ኢዜአ ትግርኛ
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ኢትዮ-ቴሌኮምን ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ኣገልግሎት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮ-ቴሌኮም ዑደት ኣሳሊጦም

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/9/ 2016 /ኢዜአ/ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣካቢ ቦርድ ኢትዮ-ቴሌኮምን ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ኣገልግሎት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ኢትዮ-ቴሌኮም ዑደት ኣሳሊጦም።
ኢትዮ-ቴሌኮም ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ 29 ከተማታት ኢትዮጵያ ማእኸላት መውሃቢ ኣገልግሎት ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ብምኽፋት ይሰርሕ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ ብብርኪ ሃገር ክሳብ 2018 ዓ.ም ን90 ሚሊየን ዜጋታት መለለዪ መንነት ንምሃብ ከምዝተተለመ ተገሊፁ።