ዩኒቨርስቲ መቐለ መድረኽ ፎረም ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስትቲታ የተኣናግድ ኣሎ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ግንቦት/8/ 2016 /ኢዜአ/ ዩኒቨርስቲ መቐለ መድረኽ ፎረም ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲታታ ኢትዮጵያ የተኣናግድ ኣሎ

ፕሬዚደንት እቲ ዩኒቨርስቲ ፋና ሓጎስ(ዶክተር) ዩኒቨርሲቲ መቐለ  ገዚፍ ዕንወትን ብርክት ዝበሉ ፀገማትን ከምዘሕለፈ ተዛሪበን።

ዩንቨርስቲ መቐለ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ኣብ ምሕያል ብዘይዕረፍቲ ክሰርሕ መፅንሑ ብምግላፅ፥ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ፎረም ምስ ናይ ቀደም መሻርኽቱ ዳግማይ ንኽራኸብ ከምዝሕግዞ ኣብሪሀን።

ሰራሕተኛታት ኣካዳሚያውን ደገፍቲን እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብቶም ዝሓለፉ ከበድቲ ዓመታት ዘሕለፍዎ ከቢድ ኩነታትን ንዝነበሮም ፅንዓትን ተወፋይነትን አመስጊነን።

እቲ ፎሮም ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ ፅባሕ ንክልተ መዓልትታት ዝፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም