ርእስ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ አይተ ሽመልስ አብዲሳ በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2016 /ኢዜአ/ ርእስ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ አይተ ሽመልስ አብዲሳ በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ፍቕሪ፣ ምፍታው፣ ንሰላምን ነፃነትን መስዋእቲ ምዃን ኣብነት ብምዃን ኣርእዩና ኢዩ ኢሎም።

ብተወሳኺ በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፅኑዕ ፍቕሪ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ዘርኣየሉ፣ ፍቕሪን ምሕረትን ንደቂ ሰባት ዝሃበሉ፣ መንደቕ ፅልእን ምፍልላይን ብምፍራስ ንደቂ ሰባት ዘድሓነሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር፥ ልቦናና ንምሕረት፣ ይቕሬታን  ሰላምን ብምኽፋትን ብዝተፈላለዩ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ምኽኒያታት ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ወገናትና ብምሕጋዝን ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።

ኣንደበትናን ተግባርናን ኣብ ምንጋስ ሰላምን ምርግጋፅ ህንፀት ሃገርን ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም