ኣብ ብርሃነ ትንሳኤ ኩላህና ንሃገርናን ህዝብናን ልኡኻት ሰላም ንኹን - ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2016 /ኢዜአ/ኣብ ብርሃነ ትንሳኤ ኩላህና ንሃገርናን ህዝብናን ልኡኻት ሰላም ንኹን ክብሉ ሊቀጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ ገሊፆም።

ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ መልእኽቲ በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ንክርስቲያን ልዑል ሚስጢርን ብስራት ትንሳኤ ኢዩ ኢሎም።

ህይወት ደቂ ሰባት ዝዛዘም ከምዘይኮነ እነሆ ምልዓል ክርስቶስ ኢዩ ዘምህረና ክብሉ ገሊፆም።

እነሆ ንጉስ ዓለም ተላዒሉ ኣሎ እሞ ንቀበሎ፣ ነኽብሮን ነመስግኖን ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ብርሃነ ትንሳኤ ኩላህና ንሃገርናን ህዝብናን ልኡኻት ሰላም ንኹን ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

መውፅኢ ቁልፊ ፀገማትና ሰላም ጥራሕ ኢዩ ዝበሉ ብፁእ ካርዲናል ኣቡነ ብርሃነኢየሱስ፥ ንሰላም ንፀልይ፤ ጎይታ ሰላምን ፍቕሪን ኣብ ትንሳኤኡ ይሃበና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም