ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 907 ዝተሃነፁን ዝተሓደሱን ኣባይቲ ንነበርቲ ኣመሓላሊፉ




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2016 /ኢዜአ/ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 907 ዝተሃነፁን ዝተሓደሱን ኣባይቲ ንነበርቲ ኣመሓላሊፉ።

ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየአን ኣብ ዘመሓላለፎኦ መልእኽቲ፥ ንናብራ ምቹዋት ዘይነበሩ ብምፍራስ ኣብ ሓፂር እዋን ዝሃነፅናዮምን ዘሐደስናዮምን ኣባይቲ በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር እንኳዕ ኣብፀሐኩም እናበልና ንነበርቲ ኣማሓላሊፍና ኢለን።

ብተወሳኺ ሓደሽቲ ህንፀታት ሎሚ መዓልቲ ከምዘጀመራ ገሊፀን።

እቶም ኣባይቲ ዝተሃነፁ ብርክት ዝበሉ ሓለይቲ ሰብ ሃፍቲ ብምትሕብባር ኢዩ ኢለን።

ፃውዒት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምቕባል ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንዝተዋፅኡ ሰብ ሃፍቲ እታ ከተማ አመስጊነን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም