ርእሰ ምምሕዳር ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትጵያ ዶክተር ኢንጅነር ነጋሽ ዋጌሾ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2016 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ህዝብታት ደቡብ ምዕራብ ኢትጵያ ዶክተር ኢንጅነር ነጋሽ ዋጌሾ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ዶክተር ኢንጅነር ነጋሽ ዋጌሾ ኣብ መልእኽቶም፤ በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ መንደቕ ምፍልላይን ፅልእን ብምፍራስ ንወዲሰብ ዘድሐነሉ እዩ ኢሎም።

በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፅኑዕ ፍቕሪ ኣብ መስቀል ዘርኣየሉ ከምኡ እውን ይቅርታን ምሕረትን ንደቂ ሰባት ዝሃበሉ እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

በዓል ትንሳኤ፤ እየሱስ ክርስቶስ ደቂ ሰባት ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ነፃ ንምውፃእ ዋጋ ዝኸፈለሉ ስለዝኾነ ዓቕሚ ዘይብሎም ብምሕጋዝን ብምክፋልን ክነኽብሮ ኣለና ክብሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

በዓል ትንሳኤ ንኩሎም ህዝብታት እቲ ክልል ከምኡ እውን ኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም፣በረኸት፣ምትሕስሳብን ፍቕርን በዓል ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም