ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

 

ጋምቤላ/ሚያዝያ 26/2016 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ህዝበ ክርስትያን ኣብ እዋን ዓብይ ፆም ክገብሮም ዝፀንሐ ተግባራት ምትሕዝዛንን ምትሕግጋዝን እቲ ፆም ምስተፈትሐ እውን ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ሓድነት፣ምትሕስሳብ፣ሓጎስን ፍቕርን በዓል ንክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ብምግላፅ እቲ ህዝቢ በዓል እንተኽብር ሰላም ከባቢኡ ብምሕላው ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም