ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2016 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጥያትን በደልን ደቂ ሰባት ይቕረ በሃላይነቱ፣ፍቕሩን ትሕትንኡን ነብሱ ክሳብ ምሃብ ብመስቀል ቀራንዮ ኣርእዩ እዩ ኢሎም።

በዓል ትንሳኤ፤ መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ንምሕረት ናይ ኩላትና ሓጥያት ክብል ኣብ መስቀል ዝተሰቐለሉ፣ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን እግዚኣብሄርን ዝነበረ መንደቕ ፅልእን ሞትን ብምፍራስ ዳግማይ ዘልኣለማዊ ሂወት ዝሃበሉ መዓልቲ ስለዝኾነ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ነዚ ዓብይ መንፈሳዊ በዓል እንኳዕ ኣብፀሐኩም ክብል ይደሊ ክብሉ ሰናይ ትምኒቶም ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ ይሕብር።

እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ብመስቀሉ ፍቕሪ፣ትሕትና፣ሰናይ ስራሕን ርሕሩሕነትን ከምኡ እውን ንካልኦት ክንብል መስዋእቲ ምኽፋልን ስለዘምሃረና ኣብ ከባቢና ዘለው ዓቕሚ ዘይብሎምን ዓበይትን ወገናት ብምሕጋዝን ዘለና ብምክፋልን እቲ በዓል ብሓጎስ ክነኽብሮ ኣለና ክብሉ እውን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም