ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2016 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ኣይተ ጥላሁን ከበደ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰናይ ትምኒት፤ በዓል ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ዘለዎ ፍፁም ፍቕርን ክብርን ብሕማማቱ፣ስቕለቱ፣ሞቱን ትንሳኤኡን ዝገለፀሉ እዩ ኢሎም።

እዚ በዓል ህዝበ ክርስትያን ብፆም፣ስግዳንን ምስጋናን ዘኽብርዎ፣ብንስሃን ንፁህ ህሊናን ናብ ፈጣሪኦም ዝቐርብሉ ዓብይ በዓል ምዃኑ ፍሉይን ተናፋቕን ይገብሮ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ብመሰረት ኣስተምህሮ እየሱስ ክርስቶስ ፅልኢ ኣጥፊእና ፍቕሪ ብምትካል፤ ሓዴና ንካልኦትና ዓቕምን ጉልበትን እናኾንና ብምትሕስሳብ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ሰላም፣ምክእኣልን ብልፅግናን ክውን ንክኸውን መላእ ህዝቢ እቲ ክልል ተጊሁ ንክሰርሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ብሰላም ኣብፀሐኩም ብምባል እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ፍቕርን ሓድነትን በዓል ንክኸውን ተመንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም