ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣይተ እንዳሻው ጣሰው ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2016 (ኢዜኣ) ርእሰ ምምሕዳር ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ኣይተ እንዳሻው ጣሰው ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም፤ ዝሓለፉ እዋናት ፀሎትን ፆምን ተኸተልቲ እቲ እምነት ሂወት ብምሕዳስ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዝተላበሰ ስብእናን ሞራልን ንምጥንኻር ርኡይ እጃም ዝተፃወቱ እዮም ኢሎም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መልእኽቶም፤ እቲ በዓል ናይ በረኸትን ሰላምን ንክኸውን ምምናዮም ካብ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም