መንግስቲ ክልል ሃረሪ ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 26/2016 (ኢዜኣ) መንግስቲ ክልል ሃረሪ ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

ህዝበ ክርስትያን እቲ በዓል እንተኽብር ዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ከምኡ እውን እቲ ልሙድ ናይ ምትሕዝዛንን ምትሕግጋዝን ባህሉ ብምትግባር ንከኽብር መንግስቲ እቲ ክልል ፃውዒት ኣቕሪቡ።

መንግስቲ እቲ ክልል፤ እቲ በዓል ናይ ሰላም፣ሓድነት፣ምትሕስሳብ፣ሓጎስን ፍቕርን ንክኸውን ከምዝተመነየ ካብ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም