ትንሳኤ ኣብ መንጎ ተስፋ አልቦ ዝመስሉ ኩነታት ዝተረኸበ ብስራት ኢዩ - ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/26/ 2016 /ኢዜአ/ትንሳኤ ኣብ መንጎ ተስፋ አልቦ ዝመስሉ ኩነታት ዝተረኸበ ብስራት ኢዩ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር በዓል ትንሳኤ ምኽኒያት ብምግባር ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም፥ ትንሳኤ ምልዓል ምትንሳእ ወይ መሊስካ ሂወተ ምዝረእ ደው ምባል ኢዩ ኢሎም።

ትንሳኤ ካብ ሕስረት ናብ ክብሪ፣ ካብ መርገም ናብ በረከት፣ ካብ ምስኣን ናብ ምርካብ፣ ካብ ሞትን ጎስቅልናን ናብ ሓዱሽ ህይወትን ልዕልናን ብምሽግጋር ባዕልኻ ክኢልካ ፀኒዕኻ ደው ምባል ዘምህረና ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንዘበናት ንሕማማ ዝሕክም፣ ፆራ ዝፆር፣ ክብራ ዝምልስ ትውልዲ ስለዘድለየ ብብዙሕ መስዋእቲ ለውጢ ከምዝተወለደ ገሊፆም።

ነቲ ለውጢ ስዒቡ ዝፀልመተ ዝመስል ብብርሃን እናደመቐ፣ ልቋም እናተፈትሐ፣ ፀድፊ እናተደላደለ፣ ማዕበል እናሰኸነ ምኻዱ ኩላህና እናረጋገፅናዮ ዘርከብ ሓቂ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዘጋጥሙዋ ዘለዉ ፈተናታት  ተፃዊራ ብተዓዋታይነትን ክብሪን ከም እትሳገር ካብ ትንሳኤ ክንመሃር ይግበአና ክብሉ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም