ብሰዓብቲ እምነት ኽርስትና በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ስቕለት እየሱስ ክርስቶስ እናተኸበረ ይርከብ





 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/25/2016/ኢዜአ/ብሰዓብቲ እምነት ኽርስትና በቢዓመቱ ዝኽበር በዓል ስቕለት እየሱስ ክርስቶስ እናተኸበረ ይርከብ።

እቲ በዓል በቢኣብያተ እምነት ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት እናተኸበረ እዩ

እቲ በዓል ብቤተ ኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ፣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ብሕብረት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያናትን ብስግደት፣ ፆም፣ ፀሎትን ዝማሬን እናተኸበረ ይርከብ።

ብቤተ-ኽርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፍላይ 'ውን ኣብ መንበረ ፖትርያርክ ገዳም ቅድስተ ቅዱሳን ማርያም፤ ብብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ፣ ሊቃነ ጳጳሳት ኣበውን ምእመናንን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ በዓል ብፀሎትን ስግደትን እናተኸበረ ይርከብ።

ኣብ ዕለተ ስቕለት ንዝተኻየዱ ተግባራት እናተሓሰበ 'ውን ስርዓት ስግደት ክካየድ 'ዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም