ስነ ስርዓት በዓል ስቕለተ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/25/ 2016 /ኢዜአ/ስነ ስርዓት በዓል ስቕለት ኢየሱስ ክርስቶስ ብመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ኣብ መላእ ሃገር ይኽበር ኣሎ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስርትያን ኢትዮጵያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ብስግደትን ፆምን ዝኽበር ዘሎ እንትኸውን፥ ኣብ ሕብረት ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እውን ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት እናተዘከረ ክውዕል ኢዩ።

እተን ኣቢያተ ክርስትያናት፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ንወዲ ሰብ ክብል ዝተቐበሎም መከራታት ንምዝካር ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ትምህርቲታት የቕርባ ኣለዋ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም