ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ብምኽንያት ግዕዝይና ኣብ ልዕሊ 244 ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ተወሲዱ እዩ-ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን

27


 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 18/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ምስ ግዕዝይና ብዝተኣሳሰረ ኣብ ልዕሊ 244 ሰራሕተኛታት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኣፍሊጡ።

እቲ ኣገልግሎት እዚ ዝበለ ኣፈፃፅማ 9 ኣዋርሕ እቲ ትካል ንቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕግን ፍትሕን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ እንተቕርብ እዩ።

ኣወሃህባ ኣገልግሎት ብምምዕባል ንሕቶ ዜጋታት ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ምዃኑ እውን እቲ ትካል ገሊፁ።

ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ምስ ደላሎ ብምውዳድ ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ተዋፊሮም ዝተረኸቡ 244 ሰራሕተኛታትን 30 ዘይሕጋዊ ደላሎን ምስ ኣካላት ፀጥታ ብምትሕብባር ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብቲ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ እውን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ኣብ ዘይተፈቐደሎም ዘፈር ስራሕ ዝተዋፈሩን ሕጋዊ ሰነድ ዘየማልኡን ዜጋታት ወፃኢ ቅፅዓት ብምብያን ናብ ሃገሮም ንክመለሱ ተገይሩ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም