ብሪታኒያ ንልምዓታዊ ሴፍቲኔት እትገብሮ ሓገዝ ኣሓይላ ከምትቕፅል ገሊፃ

25

 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/18/ 2016 /ኢዜአ/ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ንምምሕያሽ፣ ንመሰረታዊ ኣገልግሎታትን ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ትገብሮ ምትሕብባር ኣሓይላ ከምትቕፅል ገሊፃ።

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው÷ ምስ ኮመን ዌልዝ ብሪታኒያ ዳይሬክተር ኣፍሪካ ሳይመን ሙስታርድ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲየን፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ክልተኣዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊ ሓበራዊ ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ጉዳያት ኣወሃህባ ሰብኣዊ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎትን ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ምኽክር ምግባሮም ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋስው÷ መንግስቲ ብሪታኒያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገበሮ ሓገዝ ብምምስጋን÷ እቲ ሓገዝ ኣብ ዝመሓየሸሉ ኩነታትን ንተጠቀምቲ ብቐጥታ ኣብ ዝበፅሐሉ ጉዳይን ምዝታይ ኣድላዪ ከምዝኾነ ተዛሪበን፡፡

ዳይሬክተር ሳይመን ሙስታርድ ብግደኦም÷ ንኢትዮጵያ ዝግበር መጠን ሓገዝ ከምዝዓበየ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምዝሰርሑ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም