ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ብሓባር ምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕ ተፈራሪመን

23

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 18/2016 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣብ ዓውዲ ትራንስፖርት ኣየር ብሓባር ምስራሕ ዘኽእለን ስምምዕ ተፈራሪመን።

እቲ ስምምዕ፤ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ዶክተር ኣለሙ ስሜን ሚኒስትር ትራንስፖርት፣ ሲቪል ኣቪየሽንን መርቻንት ኔቪን ሪፐብሊክ ኮንጎ ኦነሬ ሳይን እዮም ፈሪመምዎ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ዶክተር ኣለሙ ስሜ፤ እቲ ስምምዕ እተን ሃገራት ርክበን ንምጥንኻር ዘለወን ቆራፅነት ዘርኣያሉ እዩ ኢሎም።

ኢኮኖሚያዊ፣ማሕበራውን ዲፕሎማሲያውን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምጥንኻር ዓብይ እጃም ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

ክልቲአን ሃገራት ምስ ካልኦት ሃገራት ኣብ ምትእስሳር እውን ኩለ መዳያዊ ረብሓ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

እቲ ስምምዕ፤ ኣብ ቁፅሪ በረራ፣መባፅሒ ቦታታት፣መሰላት ትራፊክ፣ዓይነት ኣውሮፕላን፣ተወከልቲ መንገዲ ኣየርን ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ገደብ ዘየቕምጥ ምዃኑ ተዛሪቦም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝገብሮ በረራ ኣብ ሰሙን 7 ግዜ እንትኸውን እቲ ስምምዕ ናብ ከተማታት ብራዛቪልን ፖይንትኖይርን ዝገብሮ በረራ ብምጥንኻር ኣድማስ ኣገልግሎቱ ንምስፋሕ ምችው ኩነታት ከምዝፈጥር እውን ኣረዲኦም።

ሚኒስትር ትራንስፖርት፣ ሲቪል ኣቪየሽንን መርቻንት ኔቪን ሪፐብሊክ ኮንጎ ኦነሬ ሳይ ብግደኦም፤ እቲ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኸውን ሃገሮም ቆራፅ ምዃና ሓቢሮም።

 ኢትዮጵያን ሪፐብሊክ ኮንጎን ናይ ነዊሕ ግዜ ዲፕሎማቲክ ርክብ ዘለወን ሃገራት እየን እውን ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም