ንበዓል ትንሳኤ ስሩዕ ዝርገሐ ዋጋ ዕዳጋ ንክህሉ ብትኹረት እናተሰርሐ እዩ-ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ

49

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 18/2016 (ኢዜኣ) ንበዓል ትንሳኤ ቀረብ ፍርያት ብምዕባይ ምርግጋዕ ዕዳጋ ንክህሉ ብትኹረት እናሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ኣብቲ ቢሮ ምክትል ሓላፊ ዘፈር ንግድን ዕድጊትን ኣይተ ፍስሐ ጥበቡ፤ እቲ ዕዳጋ ንክረጋጋዕ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ዕዳጋታት ሰንበት ፍርያታት ብስፍሓት ንክኣትዉ ክስራሕ እዩ ኢሎም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ናህሪ ዋጋ እናተረጋገዐ ምምፅኡ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ መንግስትን ሰንበትን ዝሽየጡ ዘለው ፍርያታት ካብ 15 ክሳብ 20 ሚኢታዊ ዋጋ ንክቕንሱ ምግባሩ ንምርግጋዕ ዕዳጋ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም።

ኣብ ማእኸላት ዕዳጋ መንግስትን ሰንበትን ልዕሊ 76 ሓረስቶትን ልዕሊ 100 ኢንተርፕራይዛትን ፍርያቶም ብዝተመጣጠነ ዋጋ ከምዘቕርቡ እውን ተዛሪቦም።

ምስቲ በዓል ተኣሳሲሮም ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዘይሕጋዊ ንግድን ናህሪ ዋጋን ንምክልኻል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ስራሕቲ ቁፅፅርን ክትትልን እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ኣረዲኦም።

ኣብ በዓል ትንሳኤ እውን ስሩዕ ዝርገሐን ዕድጊትን ዕዳጋ ንክህሉ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ኣይተ ፍስሐ ፀሪሖም።

ኮሚሽን ግብርና ከተማን ሓረስቶትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ውፅኢት ግብርናታት ናብ ሕብረተሰብ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም