ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ውቅብቲ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዘኽእል ሓዱሽ ተግባርን ጉስጓስን ዕላዊ ገይሮም

45


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/18/ 2016 /ኢዜአ/ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(/) ውቅብቲ ኢትዮጵያ ንምፍጣር ዘኽእል ሓዱሽ ተግባርን ጉስጓስን ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሮም።

ክብሪ ባህሊ ፅርየት ማሕበረሰብ ዝሓለወ ንምግባር ዝተተለመ እቲ ጎስጋስ፥ ቤተ ፍታናት ዘመናዊ በዝኾነ መገዲ መህናፅ ከመዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነዚ ክብ ንምባል ሓደ መርኣያ ተሃኒፁ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምቕማጡ ተሓቢሩ።

ውቅብቲ ኢትዮጵያ ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እቲ ጎስጓስ፥ ፅሩይ መገዲ- ናብራ ብጥዕና ዝብል መሪሕ ሓሳብ ብገንዘብ ወይ ብዓይነት ደገፍ ሕብረተሰብ ከምዘድልዮ ተገሊፁ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ጎስጓስ ጠሚቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ቆላሕታ ካብ ዝተውሃቦም ጉዳያት እቲ ሓደ ውቁብን ሓምለዋይን ከባቢ ምፍጣር ኢዩ ኢሎም።

ክብሪ ዘለዎ ባህሊ ፅርየት ምፍጣር ይግበአና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ግቡእ ቦታ ክብሪኻ ሓሊኻ ምፍታን ወይ ምሻን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ነዚ ድማ ስርዓት ምድላው ወይ ቤት ፍታን ምህናፅ ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብምምሃር ወይ ሕጊ ብምኽባር ነቲ ስርዓት ምምዕባል ከምዝግባእ ከምኡውን ቤት ፍታን ምህናፅ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

 

እቲ ጎስጓስ፥ ቤት ፍታናት ተበፃሒ ብምግባር ከብሪ ሓሊኻ ባህሊ ንፅህና ክብ ምባል ዝዓለመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ጥዕና ንምሕላው ዝሕግዝን ከምዝኾነ ምግላፆም ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ቤት ፍታናት ንምህናፅ ብገንዘብ ደገፍ ምግባር ንዝደሊዩ ዜጋታት ኣብ ባንኪ ንግዲ ብቁፅሪ ሒሳብ 1000623230248 ከምኡውን ኣብ ብሄራዊ ባንኪ ዶላር አካውንት 0101211300016 ውቅብቲ ኢትዮጵያ ምብርካት ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም