ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብልዕሊ 460 ሚልየን ብር ዝተፈላለዩ ህንፀት ስራሕቲ መሰረት ልምዓት ይሳለጡ ኣለው

49




 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/ 2016/ኢዜአ/ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ብልዕሊ 460 ሚልየን ብር ዝተፈላለዩ ህንፀት ስራሕቲ መሰረት ልምዓት ይሳለጡ ኣለው።

እቶም ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት ኣስታት 63 ዓይነታት እንትኾኑ፥ ካብዚኦም ኮብልስቶን፣ መገድታት ፀፀርን፣ መፋስስን ይርከብዎም።

ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣይተ ገብረመድህን ዮሃንስ፥ ኩሎም ህንፀታት ክሳብ ወርሒ ሰነ 2016 . ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሞም ንግልጋሎት ክፍቲ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

60 ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከበኦ ልዕሊ 900 መናእሰይ ቀዋምን ግዚያዊን ዕድል ስራሕ ከም ዝተፈጠረሎም ተሓቢሩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም