መንግስቲ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ዘተኣኻኽብ ትረኻ ንምህናፅን ብቆራፅነት እናሰርሐ እዩ-ዶክተር ለገሰ ቱሉ

26

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 15/2016 (ኢዜኣ) መንግስቲ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻርን ዘተኣኻኽብ ትረኻ ንምህናፅን ብቆራፅነት እናሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

ዶክተር ለገሰ ቱሉ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበናት ሱር ሰዲዶም ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ኮይኖም ዝፀንሑ ፀገማት ንምፍታሕ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት እናወሰደ እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ፖለቲካዊ ኣፈላላያት ብዘተ ንክፍትሑ ከምዝሰርሕ ብምግላፅ፤ ዝተፈፀሙ በደላት ብዕርቂ፣ይቅርታን ፍትሕን ንምሽጋር እውን ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ ከምዝፀደቐ ኣረዲኦም።

ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ዛዕባታት ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር እውን ኣብቶም ዛዕባታት ህዝቢ ዘትዩ መፍትሒ ዘቕርበሉ ሃገራዊ ምኽክር ንምክያድ ስራሕቲ ምድላው እናተዛዘሙ ምዃኖም ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያዊ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ንክጠናኸር ፍሉይ ትኹረት ምሃቡ ብምሕባር፤ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ምትእስሳራት ምጥንኻር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ሓድነት ኢትዮጵያ ንምፅናዕን ሓድነት ህዝብታት ኣብ ጠንካራ መሰረት ንምንባርን ዘተኣኻክብ ትረኻ ልዑል እጃም ከምዘለዎ እውን ፀሪሖም።

ነዚ እውን መንግስቲ ኣብ ብሄራውነት ዝተመስረተ ሓባራዊ ዘተኣኻክብ ትረኻ ንምህናፅ ብቆራፅነት እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም