ሂወት 16 ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ንሞት ተቃሊዖም

109


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/15/ 2016 /ኢዜአ/ሂወት 16 ኢትዮጵያውያን ብሰንኪ ሓደጋ ምግልባጥ ጃልባ ንሞት ተቃሊዖም።

ካልኦት ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ 28 ዜጋታት ድማ ክሳብ ሐዚ አይተረኸቡን

ትማሊ ምሸት ካብ ወሰን ባሕሪ የመን ፍሉይ ሽሙ ኣራ ካብ ዝበሃል ቦታ 77 ኢትዮጵያዊያን ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣሳፊራ ናብ ጂቡቲ እተጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ጎዶሪያ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ኢዩ እቶም ዜጋታት ህይወቶም ስኢኖም።

በቲ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ ሓሙሽተ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ሓዊሱ 16 ኢትዮጵያዊያን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ 33 ፍልሰተኛታት ብህይወት ተሪፎም ደገፍ ይግበረሎም ከምዘሎ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ገሊፁ።

እቲ ኤምባሲ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ብዝሰኣኑ ዜጋታት ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፥ ካብ ጂቡቲ ናብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ዝግበሩ ዘይሕጋዊ ጉዕዞታት ኣዝዮም ሓደገኛታት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

በቢእዋኑ ህይወት ዜጋታት ይጠፍእ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጡ።

ስለዝኾነ ዜጋታት ብዘይሕጋዊያን ደላሎ ነህይወቶም ኣብ ሓደጋ በምእታው በቲ መስመር ካብ ምንቅስቓስ ንክቑጠቡ ምዒዱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም