'መዓልቲ መሬት' እንታይ እዩ? መዓስከ ይኽበር? - ኢዜአ ትግርኛ
'መዓልቲ መሬት' እንታይ እዩ? መዓስከ ይኽበር?
ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መዓልቲ መሬት ንምኽባርን ምንቅስቓስ ከባቢ ንምጽንባልን ይእከቡ ኣለዉ።
እዚ ፍጻመ ኣብ 1970 ኣብ ኣመሪካ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ሕዚ ኣብ መላእ ዓለም ይኽበር ኣሎ።
መዓልቲ መሬት እንታይ እዩ፣ መዓስከ ይዝከር?
መዓልቲ መሬት ኣገዳስነት ሐለዋ ከባቢ ንምጕላሕ ዝዓለመ ዓለማዊ መዓልቲ እዩ።
ዓመት ዓመት ብዕለት 22 ሚያዝያ ይኽበር።
ኣብ 1970 ብሰነተርን ተጣባቒ ከባቢን ኣሜሪካ ጌይሎርድ ኔልሰንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ምሩቕ ተምሃራይ ደኒስ ሄይስን ዝተመስረተት እያ።
ክልቲኦም ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1969 ኣብ ሳንታ ባርባራ ካሊፎርንያ ብዝተፈጥረ ዓቢ ምኽዓው ነዳዲ ዘስዓቦ ዕንወት ከባቢ ስክፍታ ፈጢሩሎም ነይሩ።
መዓልቲ መሬት፡ ህዝቢ ንምውፋርን ‘ሓምለዋይነት’ ሃገራዊ ኣጀንዳ ንምግባርን፡ ዝሕግዝ መንገዲ ጌሮም እዮም ርእዮምዎ።
ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መሬት፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ 20 ሚልዮን ሰባት ናብ ጐደናታት ወጺኦም እዮም።
ኣብ1990 ዓለምለኻዊ ፍጻመ ኰይኑ፡ ሕዚ ድማ ኣብ ኣስታት 200 ሃገራት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ከምዝሳተፍዎ ኣሰናዳእቲ ይገልጹ።
IMAGES
መዓልቲ መሬት 2024 እንታይ ይግበር?
"ፕላነትን ፕላስቲክን" ብዝብል ቴማ ዝኽበር 2024፡ ብከላ ፕላስቲክ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባትን ፕላነታትን ዘስዕቦ ጉድኣት ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።
ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ፍጻመታት፡ ካብ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንጹህ ጸዓትን ክሳብ ሓለዋ ዓሌታትን ረብሓታት ኣግራብን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከባቢ ዝሽፍኑ እዮም።
ትዅረት ሎሚ ዓመት፡ ምስቲ ታሪኻዊ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ‘ኣንጻር-ፕላስቲክ’ ዝኸይድ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ክፍረም ትጽቢት ይግበር።
ልዕሊ 50 ሃገራት፡ ብከላ ፕላስቲክ ክሳብ 2040 ደው ክብል ጸዊዐን ኣለዋ።
ኣሰናዳእቲ ‘መዓልቲ መሬት’ ግን ልዕሊ እዚ ክኸዱ ይደልዩ ኣለዉ፤ ክሳብ 2040 ድማ ፍርያት ፕላስቲክ፡ ብ60 ሚእታዊት ክጐድል ይጽውዑ ኣለዉ።
ኣሰናዳእቲ፡ ብዙሓት ሰባት ብድልየቶም ኣብ ናይ ጽሬት መደብ ክሳተፉ ወይ ብዛዕባ ብከላ ፕላስቲክ ዘስዕቦ ጉድኣት ዝያዳ ክፈልጡ፡ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።