'መዓልቲ መሬት' እንታይ እዩ? መዓስከ ይኽበር?

93



 

ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት መዓልቲ መሬት ንምኽባርን ምንቅስቓስ ከባቢ ንምጽንባልን ይእከቡ ኣለዉ።

እዚ ፍጻመ ኣብ 1970 ኣብ ኣመሪካ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ሕዚ ኣብ መላእ ዓለም ይኽበር ኣሎ።

መዓልቲ መሬት እንታይ እዩ፣ መዓስከ ይዝከር?

መዓልቲ መሬት ኣገዳስነት ሐለዋ ከባቢ ንምጕላሕ ዝዓለመ ዓለማዊ መዓልቲ እዩ።

ዓመት ዓመት ብዕለት 22 ሚያዝያ ይኽበር።

ኣብ 1970 ብሰነተርን ተጣባቒ ከባቢን ኣሜሪካ ጌይሎርድ ኔልሰንን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ምሩቕ ተምሃራይ ደኒስ ሄይስን ዝተመስረተት እያ።

ክልቲኦም ኣብ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1969 ኣብ ሳንታ ባርባራ ካሊፎርንያ ብዝተፈጥረ ዓቢ ምኽዓው ነዳዲ ዘስዓቦ ዕንወት ከባቢ ስክፍታ ፈጢሩሎም ነይሩ።

መዓልቲ መሬት፡ ህዝቢ ንምውፋርንሓምለዋይነትሃገራዊ ኣጀንዳ ንምግባርን፡ ዝሕግዝ መንገዲ ጌሮም እዮም ርእዮምዎ።

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ መሬት፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ 20 ሚልዮን ሰባት ናብ ጐደናታት ወጺኦም እዮም።

ኣብ1990 ዓለምለኻዊ ፍጻመ ኰይኑ፡ ሕዚ ድማ ኣብ ኣስታት 200 ሃገራት ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ከምዝሳተፍዎ ኣሰናዳእቲ ይገልጹ።

IMAGES

መዓልቲ መሬት 2024 እንታይ ይግበር?

"ፕላነትን ፕላስቲክን" ብዝብል ቴማ ዝኽበር 2024 ብከላ ፕላስቲክ ኣብ ጥዕና ደቂ ሰባትን ፕላነታትን ዘስዕቦ ጉድኣት ንቕሓት ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ዝተኻየዱ ፍጻመታት፡ ካብ ለውጢ ከባብያዊ አየር ንጹህ ጸዓትን ክሳብ ሓለዋ ዓሌታትን ረብሓታት ኣግራብን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከባቢ ዝሽፍኑ እዮም።

ትዅረት ሎሚ ዓመት፡ ምስቲ ታሪኻዊ ውዕል ሕቡራት ሃገራትኣንጻር-ፕላስቲክዝኸይድ ኰይኑ፡ ኣብ መወዳእታ 2024 ክፍረም ትጽቢት ይግበር።

ልዕሊ 50 ሃገራት፡ ብከላ ፕላስቲክ ክሳብ 2040 ደው ክብል ጸዊዐን ኣለዋ።

ኣሰናዳእቲመዓልቲ መሬትግን ልዕሊ እዚ ክኸዱ ይደልዩ ኣለዉ፤ ክሳብ 2040 ድማ ፍርያት ፕላስቲክ፡ 60 ሚእታዊት ክጐድል ይጽውዑ ኣለዉ።

ኣሰናዳእቲ፡ ብዙሓት ሰባት ብድልየቶም ኣብ ናይ ጽሬት መደብ ክሳተፉ ወይ ብዛዕባ ብከላ ፕላስቲክ ዘስዕቦ ጉድኣት ዝያዳ ክፈልጡ፡ ሓሳብ ኣቕሪቦም ኣለዉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም