ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብሕልፈት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም

146

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 11/2016 (ኢዜኣ) ላዕለይ ኤታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ንሕልፈት ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኬንያ ጀኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላ ኣመልኪቶም መግለፂ ሓዘን ኣመሓላሊፎም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ መግለፂ ሓዘኖም፤ ጀኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላ ሰላምን ድሕንነትን ሃገሮምን እቲ ዞባን ንምርግጋፅ ዝነበሮም ኣስተዋፅኦ ልዑል ከምዝነበረ ኣፍሊጦም።

ጀኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላን ካልኦት ላዕለዎት መኮንናትን ብዘጋጠሞም ሓደጋምሕምሻሽ ነፋሪት ሂወቶም ብምሕላፉ ብሽሞምን ብሽም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊፆም።

ጀኔራል ፍራንሲስ ኦሞንዲ ኦጎላ፤ ንሰላምን ምርግጋዕን ኬንያን እቲ ዞባን ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦን ሰናይ ስራሕን ኩሉ ግዜ እናተዘከሩ ክነብሩ እዮም ዝበሉ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፤ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ሓው ህዝቢ ኬንያ ምዃኑ ኣረዲኦም።

ንቤተሰብን ፈተውትን በቲ ሓደጋ ሂወቶም ዝሰኣኑ መኮንናት ብሽሞምን ብሽም ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢን ፅንዓት ተመንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም