መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባርን ብምውዳድን ክሰርሓ ከምዝግባእ ተገሊፁ

34


 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/10/2016/ኢዜአ/ ንዕብየትን ብራኸን ቴክኖሎጂ ስዒቡ ብብርኪ ዓለም ለኸ እናወሰኸ ንዝመፅአ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብምትሕብባርን ምውዳድን ክሰርሓ ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ወይዘሮ ትዕግስት ሃሚድ ተዛሪበን።

መበል 10ይ ኣኼባ ወርኪንግ ግሩፕ ብሪክስ ኹሎም ሓለፍቲ እቲ ዘፈር ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዝተረኸብሉ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ጉባኤ ንኢትዮጵያ ብምውካል ዋና ዳይሬክተር ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን ወይዘሮ ትዕግስትን ልኡኸንን ተሳቲፎም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዘፈር እናሰርሐቶ ንትርከብ ስራሕ ዘልዐላ ወይዘሮ ትዕግስት፤ ብዙሕ መንእሰይ ሓይሊ ሰብ ዘለዋ ሃገር ከም ምዃና ውህብቶን ስራሕ ፈጠራን መንእሰይ ንጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ፃዕርታት እናተገበሩ ምዃኖም ኣብቲ መድረኽ ኣልዒለን።

ብቕልጡፍ ምስ ዝለዋወጥ ስነ-ምህዳር ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጅን ንዓርስና ብቕልጡፍ ምልማድን ብማዕረ ምጉዓዝን እንተዘይኽኢልና ንዕብየት ኢንፎርሜሽንን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጅን ስዒቡ ብብርኪ ዓለም ለኸ እናዓበየ ካብ ዝመፅአ ሓደጋ መጥቃዕቲ ሳይበር ማንም ክሕልወና ኣይኽእልን ኢለን።

ምስቲ መድረኽ ጎናጎኒ ምስ ዝተፈላለያ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ኣብ ዘፈር ድሕንነት ሳይበር ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሎም ጉዳያት ኽልቲኣዊ ዘተታት ምግባሮም መረዳእታ ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ኢንፎርሜሽን የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም