ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ልኢኾም-ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ

34

 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 10/2016 (ኢዜኣ) ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ምልኣኾም ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ዝተሳለጡ ዓበይቲ ዕውታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ፣ኣብዚ ሰሙን ዝተሳለጡን ኣብ ቀፃሊ ክሳለጡ ዝተተለሙን ቀንዲ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ኣብ ፖለቲካ፣ኢኮኖሚ፣ዜጋ ተኮር፣ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ካልኦት ስራሕቲ ዲፕሎማስን ብዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝተረኸቡ ዕውታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣብራህሪሆም።

ብመዳይ ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (/) ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ብምርግጋፅ ብሓባር ናይ ምጥቃም ዕውት ዲፕሎማሲ ምስላጦም ስዒቡ ተሸላሚ ኖቤል ሽልማት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሰራዊት ምኽባር ሰላም ኢትጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ሱማሊያን ዘሳልጦ ዘሎ ልኡኽቶ ወሳኒ ዓወት ፖለቲካዊ ዲፕሎማሲ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ብመዳይ ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ክልቲኣውን በዓል ብዙሕ ወገንን ምትሕብባር ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል ኣተሓሳስባ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ፓን ኣፍሪካኒዝም ሓዊሱ ዕውት ምትሕብባር ልምዓት ከምዝተፈጠረ ፀሪሖም።

ብመዳይ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ እውን ኣብ ወፃኢ ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዕውት ዘተን ርክብን ከምዝተገበረ ብምግላፅ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትጵያውያን በቢ ዓመቱ 4 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብምእካብ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ሃገር ልኢኾም እዮም ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም