ኢትዮጵያን ኖርዌይን ዘለወን ኽልቲኣዊ ርክብ ብዝበለፀ አጎልቢተን ከም ዝስጉማ  ገሊፀን

33

 

አዲስ አበባ/ሚያዚያ/10/2016/ኢዜአ/ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ምስ ኣምባሳደር ኖርዌይ ኣብ ኢትዮጵያ ስቴን ክሪስተንሰን ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዙርያ ዘትዮም።

ኣብ ልምዓታዊ ምትሕብባር፣ ህንፀት ዘላቒ ሰላም፣ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻልን ንምፅዋርን ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ፣ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይን ኣጠቓቕማ ዶብ ተሳገርቲ ሃፍትታትን ምትሕብባር ኽልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ምኽክር ተገይሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳይ ወፃኢ ኣይተ ምስጋኑ ኖርዌይ መዳርግቲ ኢትዮጵያ ምዃና ገሊፆም፤ ነዚ ርክብ ናብ ዝሓሸ ብርኪ ንምብፃሕ ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ኖርዌይ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ልምዓታዊ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲቶም። ኣብ ዙርያ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይን ምክልኻል ለውጢ ነባሪ ኣየርን 'ውን ርክብ ኽልቲአን ሃገራት ኣጠናኺርካ ንምቕፃል ብወገን ኢትዮጵያ ንዘሎ ቑርፀኝነት ገሊፆም።

ኣምባሳደር ስቴን ክሪስተንሰን ብወገኖም ሃገሮም ኢትዮጵያ ለውጢ ነባሪ ኣየር ንምክልኻል ንትገብሮ ፃዕሪ ኣብ ልምዓት ደኒ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ስቴን ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣብ ኹሎም ዘፈራት ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም