ባንኪ ዓለም ንምምሕዳር ታክስ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘኽእል ፕሮጀክት ሓሙሽተ ዓመት ከምዝሓዘ ገሊፁ

26


ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2016 /ኢዜአ/ባንኪ ዓለም ንምምሕዳር ታክስ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘኽእል ፕሮጀክት ሓሙሽተ ዓመት ከምዝሓዘ ገሊፁ።

ሚኒስቴር እቶትን ባንኪ ዓለምን ኣብ ኣተገባብራ እቲ ፕሮጀክት ዘቲዮም።

ሚኒስተር እቶት / ኣይናለም ንጉሴ፥ ቤት ዕዮአን ኣብ 2022 . ዘበናዊ ምምሕዳር ታክስ ብምህናፅ ሃገራዊ ወፃኢ ብኣታዊ ታክስ ተሸፊኑ ናይ ምርኣይ ራእይ ብምሓዝ ይንቀሳቀስ ኣሎ ኢለን።

ነዚ ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ከም ባንኪ ዓለም ምስ ዝበሉ ዓለም ለኸ ትካላት ሓቢርካ ምስራሕ ገዚፍ ዓቕሚ ከምዝሃንፅ ተዛሪበን።

እቲ ብባንኪ ዓለም ተቐሪፁ ዘሎ ፕሮጀክት ብዕሊ እንትጅመር ኣድላዪ ደገፍ ክግበር ኢዩ እውን ኢለን።

ተወካሊ ባንኪ ዓለም ራጁ ኣዋስቲህ ብግደኦም፥ መነግስቲ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ምምሕዳር ታክሲ ንምዐሳል ዝገብሮ ፃዕሪ ትካሎም በእወንታዊ ጎኑ ከምዝርእዮ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም