ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ሰብኣዊ ሓገዝ 630 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ተኣትዩ

28

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 10/2016 (ኢዜኣ) ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋ ደገፍ ንዝደልዩ ወገናት ዝውዕል ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጄኔቫ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ሰብኣዊ ሓገዝ 630 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ከምዝተኣተወ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ነብዩ ተድላ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ዝተሳለጡ ዕውታት ስራሕቲ ዲፕሎማሲ፣ኣብዚ ሰሙን ዝተሳለጡን ኣብ ቀፃሊ ክሳለጡ ዝተተለሙን ቀንዲ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብ ስዊዘርላንድ ከተማ ጄኔቫ ኣምባሳደር ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ታዬ አፅቀሥላሴ ኣብ ዝተረኸብሉ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

ስለዝኾነ እውን ኣብዚ መርሃ ግብሪ ብሰንኪ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ደገፍ ንዝደልዩ ወገናት ዝውዕል 630 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ቃል ከምዝተኣተወ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ 3 ምዕራፍ ዜጋ ተኮር ዲፕሎማሲ ኣብ ሳኡዲ ዓረብያን ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ ሰነድ ዘይብሎም ዜጋታት ናይ ምምላስ ስራሕ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ ካብ ሳኡዲ ዓረብያ ልዕሊ 4 ሽሕን 200 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱን እዚ ድማ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣረዲኦም።

ጉባኤ ሚኒስትራት ኢትዮ-ሳኡዲ ዓረቢያ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጉንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝካየድ እውን ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘለወን ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምጥንኻር ዘኽእል ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ቶኪዮ ጃፖን ምኽክር ከምዝገበሩ ወሲኾም ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም