ፕሮግራም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ንህንፀት ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝለዓለ ረብሓ ኣለዎ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

28



 

ኣዲስ ኣበባ/ሚያዝያ 10/2016 (ኢዜኣ) ፕሮግራም ብሄራዊ ዲጂታል መለለዪ መንነት ከም ሃገር ንዝጀመርናዮ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ህንፀት ስርዓት ዲጂታል ኢኮኖምን ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ̎ሎሚ መዓልቲ ኣፈፃፅማ 9 ኣዋርሕ እቲ ፕሮግራም ብምግምጋም ኣብቶም ዝተረፉ ኣዋርሕ ክስርሑ ዘለዎም ስራሕቲ ፈሊና ኢና̎ኢሎም።

ብመሰረት እዚ እውን ኣብዚ ዓመት ንምስራሕ ዝተተለሙ ስራሕቲ ብዝተማልአ መልክዑ ንምፍፃም ምስ ቤት ፅሕፈት እቲ ፕሮግራምን ሓለፍቲ ትካላትን ዝምልከቶም ሚኒስትራትን ሓባራዊ ምርድዳእ ከምዝተፈጠረ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም