ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብቐሊሉ ምስሓብ ዘኽእል ኣዋጅ ኢኮኖሚ ፍሉይ ዞባ ፀዲቑ

35


 

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/10/ 2016 /ኢዜአ/ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብቐሊሉ ምስሓብ ዘኽእል ኣዋጅ ኢኮኖሚ ፍሉይ ዞባ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘሳለጦ መበል 21 ስሩዕ ኣኼብኡ፥ እቲ ኣዋጅ ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ኣፍራይ ኢንዱስትሪ፣ ገብርና፣ ንግዲ፣ ኣገልግሎትን ኢንቨስትመንትን ንክሳተፍ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ርእዩ።

ኣብ ዓለም ለኸ ሰንሰለት ንግዲ ዝህሉ ርክብ ምስፋሕን ዘላቒ ምዕባለ ምምፃእን ዝብል ዕላማ እቲ ኣዋጅ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ብምሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ተግባራዊ ዝተገበረ ዲዛይንን ትግበራን ስርዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ናብ ፍሉይ ሰርዓት ኢኮኖሚ ክብ ብምባል መሰረት ኢኮኖሚ ንምምዕባል ከምኡውን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ዘማዕብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ኣዋጅ ቁፅሪ 1 ሺሕን 322/2016 ብምዃን ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም